ዘተኣተማምን ስርዓት ፋይናንስ ምህናፅ ዘኽእል ኢንስቲትዩት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ስራሕ ኢንስቲትዩት ዝተመስከረሎም ሰብ ሞያ ሒሳብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ምጅማር ስራሕ እቲ ኢንስቲትዩት ዘበናዊን ዘተኣማምንን ስርዓት ፋይናንስንት ብምህናፅ ንሓፈሻዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ፡፡

ንስርዓት ፋይናንስ ዓንዲ ሑቐ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘተኣማምን ዓውዲ ፋይናንስ ንኽፍጠር፣ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ፋይናንስ እኹል ግንዛበ ንኽህልዎን ንወሃብቲ ውሳነ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ድማ ዕቤት ኢኮኖሚን ስግግርን ኣብ ምስላጥ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዝገለፁ፡፡

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ እኹል ዝተመስከረሎም ሰብ ሞያ ሒሳብ ዘይምህላዎም ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝሰርሑ ስራሕቲ ሒሳብ ግልፅነት ዝጎደሎም ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡

ምጅማር ስራሕ እቲ ኢንስቲትዩት አብቲ ዓውዲ ዘሎ ፀገም ኣፅሪኻ ንምምልካት ከምዝሕግዝ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ፣ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተወከልቲ ባንኪ ዓለምን ተረኺቦም።

ብቅድስት ተስፋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment