ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰብ ሞያ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ዘተኣኻኽብ ያታታት ብዝበለፀ ንምስፋሕ ብትኹረት ምስራሕ ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም ሓላፊ ዘፈር ህዝብን ዓለም ለኸ ርክብን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፡፡
“ድሕሪ ሓቂ ዘበን ምስ ፍልጠትን ሓቅን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሰመራ ንኣመራርሓ ክልል ዓፋርን ሰብ ሞያታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ስልጠና ይውሃብ ኣሎ።
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ናይ ለውጢ ዓመታት ዘተኣኻኽብ ያታታት ብዝበለፀ ንምስፋሕ ከምኡ እወን ኣብ ህንፀት ሓባራዊ ምንነት ትኹረት ብምግባር ክሰርሕ ፀኒሑ ኢሎም፡፡
በዙይ እውን ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ጉዕዞ ድልዱል መሰረት ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኣብ ድሕሪ ሓቂ ኣብ ዘሎ ዘበን ሓባራዊ ሕውነት ኣብ ዘዕብዩ ጉዳያት ትኹረት ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም።
እቶም ሰብ ሞያታት ሚዲያን ኮምዩኒኬሽንን ኣብ ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተረኸበ ውፅኢት ኣጠናኺሮም ከሐይሉን ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!