ዘካ እስላማዊ መፍትሒ ኢኮኖሚ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ማሕበረሰብ ሙስሊም ዘካ እስላማዊ ግዴታ ንምፍፃምን ብደረጃ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ረብሓታቱ ንምዕዋትን ፋንድ ዘካ ክጣየሽ ይግባእ ኢሎም ምሁራት ኢኮኖሚ እስልምና።
ሓደ ካብ ሓሙሽተ እምነታት እስልምና መሰረት ዝኾነ ዘካ ኣብ ርእሲ እቲ መንፈሳዊ ረብሓታት ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ልዑል ምዃኑ ምሁራት ይዛረቡ።
በዓል ሞያ እስላምን ስሩዕ ኦኮኖሚን ኡስታዝ ሻቡዲን ኑራ ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፤ ዘካ ምሃብ እስላማዊ ግዴታ ምፍፃም ድኽነት ይቕንስ ኢሎም።
ብተወሳኺ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘስፋሕፍሕን ኣብ መንጎ ሃፍታምን ድኻን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ምፅባብ ልዑል ተራ ከም ዘለዎ ዘርእዩ መፅናዕትታት እውን ከም ዋቢ ገይሮም ኣረዲኦም።
መሪሕ ሸሪዓ ዝኽተል በዓል ሞያ ባንክ ዝኾኑ ኡስታድ ሙኽታር መሕሙድ ብወገኖም፤ ሓደ ሙስሊም ካብ ዝረኸቦመ ብመሰረት ሃይማኖታዊ ትምህርቱ ክንደይ ዘካ ክህብ ከም ዘለዎ ብንፁር ክገልፅ ከም ዘለዎ ሓቢሮም።
ዘካ ንመን ብኸመይን ብኸንደይን መጠን ይወሃብ ዝብል ናይ ገዛእ ርእሱ ኢኮኖሚዊ ሕግን ኣሰራርሓን ከም ዘለዎ ኣብሪሆም፡፡
ብወርቅኣፈራው ያለው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment