ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ፀገም ፈታሒ ዘይኮነስ ፀገም ፈጣሪ እዩ – ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝነበሮ ናይ ስልጣን ዘበን፣ ንህዝቢ ትግራይ ፀገም ፈታሒ ዘይኮነስ ፀገም ፈጣሪን ኣሳቓዪን እዩ ኢሎም ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት።

ኣብቲ ክልል ሕዚ ዝሰፈነ ሰላም ኣመልኪቱ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ቃለ መሕትት ዝገበሩ ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝበልዎ፣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን መናእሰይ ትግራይ ካብ ገዝኦም ክወፁን ኣስፋልት ክረግፁን 50 ሽሕ ብር ሒዞም ክወፁ ነይሩዎም።

እዚ ክገብሩ እንተዘይክኢሎም ድማ ኣካላዊ ጉድኣት ክወርዶምን ብኣካሎም ክኸፍሉን ይግደዱ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

እቶም ነበርቲ ወሲኾም እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን እንትፀንሕ ፀገማት ትግራይ ካብ ምፍታሕ ንላዕሊ ፀገማት ኣብ ምፍጣር ክፅመድ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ባህሪ ዘይሕጋዊ ህወሓት ሽፍትነት እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቁማር ካብ ምፅዋት ሓሊፉ ተቓሊሱ ዘምፀኣሉ ዝኾነ ይኹን ረብሓ የለን ክብሉ እቶም ነበርቲ፤ ህዝቢ ትግራይ ውግእ ከምዝቃወምን ደቁ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መስዋእቲ ምኽፋሎም ከምዝሰልቸዮን ኣረዲኦም።

እቲ ጉጅለ ብተደጋጋሚ ውግእ ብምእዋጅ፣ መናእሰይ ንሞት፣ ኣዴታት ትግራይ ድማ ንሓዘንን ብኽያትን ከምዘቃልዕ ከምኡ እውን ንህዝቢ ዝጠቅም ስራሕ ልምዓት ከምዘይሰርሐን ኣብቲ ክልል ዝኾነ ዓይነት ዕድል ስራሕ ከይህሉ ከምዝገበረን ኣብሪሆም።

ብእመቤት ሲሳይ

Comments (0)
Add Comment