ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እናፈፀሞ ዘሎ ግፋ ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ዝመፅእ ቀዳም ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ጠመተ ዝገበረን “ግፋ ደው ይበል፣ ሰላም ይዕሰል” ብዝብል ዝተዳለወ ጋዜጣዊ መግለፂ ሎሚ ተዋሂቡ።

ነቲ ሰልፊ ዘተሓባብር ቤት ምኽሪ ሰላም ለውጥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እናካየዶ ዘሎ ጅምላዊ ግፋን ማእሰርትን ሰላም ድሕንነትን ዜጋታት ዝጎድአ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ዕላማ እቲ ሰልፊ፥ ነቲ ተግባር ብህፁፅ ደው ንክብል ዝሓትት ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

“በቲ ጉጅለ እናተፈፀመ ዘሎ ግፋ ዘይሕጋዊን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን እዩ” ዝበለ እቲ ቤት ምኽሪ፥ በቲ ጉጅለ እናተፈጠረ ንዘሎ ስግኣት ብምውጋድ በቢ ከባቢኡ ሰላም ንክዓስልን ልዕልነት ሕጊ ንክረጋገፅን ድምፂ ህዝቢ ክስማዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።

መተሓባበሪ ሚድያን ርክብ ህዝብን ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ፥ እቲ ጉጅለ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ራዕዲ መናእሰይ ብግዲ እንተገፈፉ ንኲናትን ጎንፅን ይቃልዑ ኣለዉ ኢሎም።

እዚ ጉጅለ ናይ ባዕሉ ሉኣላዊ ዓቕሚ ዘይብሉ፣ ንረብሓ ግብፅን ሻዕብያን ዝተገዝአ፣ ፀላኢ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ናይ ባንዳታት እካብ ምዃኑ ንዓለም ክነፋልጥ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ኣባል ኣመራርሓ ርክብ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ገ/የሱስ ብግደኦም፥ እዚ ጉጅለ መናእሰይ እናሓፈሰ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ካልኦት ሃገራት እናሸጠ፣ መንእሰይ ኣደዳ ስደትን ሞትን እናገበረ መንእሰይ ከም ቆፅሊ እናረገፈ እዩ ዘሎ ኢሎም።

እዚ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝፃረሩ ተግባራት ዝትግብር ስርዓት ናብ ሕጊ ዓለም ብምቕራብ፥ መናእሰይን መላእ ህዝቢ ትግራይን ካብ ከምዚ ዝበለ ዓፀባ ንክወፅኡ ብሙሉእ ዓቕሚ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም።

ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኩለመዳያዊ ንዝረት ኣትያ እያ ዘላ ዝበሉ ኣባል ክፍሊ ፖለቲካ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ኣለምሰገድ ኣረጋይ፥ እቲ ሐዚ ዘሎ ዘይሕጋዊ ሓይሊ ሞራላውን ፖለቲካን ተቐባልበት ዘይብሉ ፋሉል ጉጅለ እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንዞባ ኣፍሪካ እውን ዝሕምስ ዘሎ ጉጅለ ምዃኑ ገሊፆም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ንዝመፅእ ቀዳም ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጓኒፉ ዘሎ ቅልውላው ንክንቃወም ኢና ንፅውዕ ኢሎም።

ኣብ ዝመፅእ ቀዳም ኣብ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ተወለድቲ ትግራይን ደለይቲ ሰላምን ብሓባር ብምውፃእ፣ ካብ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ግፋን ነፃ ዝኾነ ሰላማዊ ናይ ምንባር መሰሎም ንከሐልው ፃውዒት ቀሪቡ።

እቶም መተሓባበርቲ፥ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰላማዊ ኩነታት ብምቕራብ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ነቲ ፀገም ቅልጡፍ መፍትሒ ንክህቡ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ፃውዒት እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተቐቢሉ ካብ ገዝኡ ብዘይምውፃእ ተቓውሞኡ ክገልፅ ፀዊዖም።

ኣብ ቐፃሊ እውን እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

ብሃመልማል ሃይሉ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment