ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዕጥቂ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ናብ ሸመታ ኣፅዋር፤ ዕጡቓት ኣብ ክንዲ ምምላስ ናብ ተወሳኺ ግፋ ተዋፈሩ ፀኒሑ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፤ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዘይተዓወተሉ ምኽንያት ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡
ኣብ መብርሂኦም ድማ ቁልፊ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕነት፤ ምቁራፅ ተኹሲ፣ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስ፣ ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣፍልጦ ምሃብ ዘካተተ ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ፌዴራል እውን ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ንምትግባር ዘድሊ ፃዕሪ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡
እንተኾነ ግና ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት፤ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዕጥቂ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ናብ ሸመታን ልመናን ኣፅዋር፤ ዕጡቓት ናብ ህዝቦም ክምለሱ ኣብ ክንዲ ምግባር ናብ ተወሳኺ ግፋ ከምዝተዋፈረ ኣብሪሆም፡፡
“ልዕሊ ኹሉ ዘገርም ነገር ድማ ንተመዛበልቲ ከም መትሐዚ ብምጥቃም ናብ መረበቶም ከይምለሱ ምኽልካሎም እዩ” ኢሎም፡፡
እቲ ጉጅለ ተግባርን ሓላፍነትን መንግስቲ ፌዴራል ዝኾነ ተግባር ብምጥሓስ መገዲ ኣየር ከምዝዓፀወ፣ ቴሌኮምን ባንኪን ከምዝዓፀወ ተዛሪቦም፡፡
“እዚ ኩሉ እንትኸውን፤ ንሕና ኲናት ኣየዋፅእን፣ ይትረፈና ሰላም ይሕሸና ብምባል ብዙሕ መኺርናዮም፤ ንሳቶም ግን ንምኽርና ዕሽሽ ብምባል ምስ እኽብካብ ሓይሊታት ብምትሕብባር ዘየዋፀኦም ኲናት ኣዊጆም ክብሉ ገሊፆም፡፡
በዚ ዝተሰሓሓተ መገዲ ጥፍኣት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ክፍሽል ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም፡፡