ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምህዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ተቐባላይነታ ጋሻ ኢትዮጵያዊያንን ዘደንቕ ለውጢ ከተማናን ነቶም ጉባኤታት ልዑል ሞገስ ኮይኑ ኢዩ ኢለን።
እተን ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዘተኣናገደቶም መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን 2ይ ጉባኤ ጣሊያን-ኣፍሪካን ብዓወት ንኽዛዘሙ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ኣመስጊነን።
እቶም ጉባኤታት ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ መልክዑ ብልዑል ድምቀትን ዓወትን ተዛዚሞም ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ እቶም ጉባኤታት ኣብ ውቅብቲ ከተማና ኣዲስ ኣበባ ፍፁም ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ተኻይዶም ኢለን።
ነዚ ድማ ኢትዮጵያዊያን ንዘበናት ዝዘለቐ ባህሊ ምቕባል ጋሻ ከምኡ እውን ዘደንቕ ለውጢ ከተማና ነቶም ጉባኤታት ልዑል ሞገስ ኮይኑ ኢዩ ክብላ ገሊፀን።
ነበርቲ እታ ከተማ ንዘርአዩዎ ኣኽባራይነት ጋሻ፣ ትዕግስቲን ምሕዝነትን ከምኡ እውን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ንዝሃቡዎ ፅሬት ዘለዎን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምስጋና ኣቕሪበን።
ከተማናንኩሉ ግዘ ሓዱሽ ምስሊን መንፈስን ብምልባስ እቲ ጉባኤ ንኽዕወት ንዝገበርኩም ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ከተማና ከምኡ እውን ምስ ነበርቲ ብምውዳድ ብቖራፅነት ንዝሰራሕኹም ኣካላት ፀፅታ ብሽመይን ብሽም ምምሕዳር ከተማን ልዑል ምስጋናይ የቕርብ ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!