ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መርሃ ግብሪ ልምዓት ገዛ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ነበርቲ ከተማ ብተመጣጣኒ ሓገዝ ወነንቲ ገዛ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ከምዝበሉዎ÷ ከተማታት ዝተሓንፀፀ ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ናይ ባእለን ግደ ንኽዋፅኣ ልዐል ልኡኽቶ ተዋሂቡወን፡፡
ጉዕዞ ብልፅግና ኣጠናኺርካ ክቕፅል ብምግባር ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ስርዓት ንምህናፅ ብኹሎም ዓውዲታት ልምዓት ርብርብ እናተገበረ ይርከብ ኢሎም፡፡
ብመሰረት እዚ ስራሕቲ ንምስላጥ ዝሕግዙ ብዙሓት ናይ ሕጊ ማዕቐፋት ተሓንፂፆም ተግባራዊ እናተገበሩ ከምዝኾነን ለውጢታት እውን ምርኣይ ከምዝተጀመሩ ኣብሪሆም።
እቲ ፎረም ከተማታትን መሓዙተንን ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምህዳርን ብምፍላጥ ኣፍልጦ ክረኽቡን ተሞክሮታተን ንኽለዋወጣን ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡
ኣብ ሞንጎአን ጥዑይ መንፈስ ውድድር ክህሉ ብምግባር ንጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!