ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዜጋታት ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ ተረባሕነት ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን፡፡
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዞባ ካፋ ወረዳ ኣዲዮ ዘህነፆ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ሶላር ሚኒግሪድ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ፡፡
እቲ ፕሮጀክት ካብ ሶላር ሚኒግሪድ 300 ኪሎ ዋት ሓይሊ ብምፍልፋል 1 ሺሕን 500 መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ዘኽእል ኢዩ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ማይን ኢነርጂን ሱልጣን ወሊ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ተረባሕነት ዝሕደስ ሓይሊ ማሕበረሰብ ንምርግጋፅ ብዙሓት መሰል ፕሮጀክታት እናተወጉኑ ይርከቡ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 10 ፕሮጀክታት ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ብምሕባር÷ ኣብ ዝቕፅል ሓደ ወርሒ 6 ፕሮጀክታት ናብ ስራሕ ንምእታው ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!