ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዜጋታት ወፃኢ ኣዋጅበዓል ዋና ዘይንቀሳቀስ መንበሪ ገዛ ናይ ምዃን መሰል ኣፅዲቁ፡፡
ነቲ ኣዋጅ ብዝምልከት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርህን ተዋሂቡ።
መሬት ናይ መንግስቲን ህዝብ ከም ምዃኑ ንኢንቨስትመንት ዝመፁ ዜጋታት መሬት ብምሻጥን ምልዋጥን መሰል የብሎምን ተባሂሉ፡፡
መሰል ኢትዮጵያ ብዘይነክእ መልክዑ ዜጋታት ወፃኢ በዓል ዋና ዘይንቀሳቀስ መንበሪ ገዛ ናይ ብምዃን ኣብ ኢንቨስትመንት ክዋፈሩሩን ስራሕቲ ክሰርሑን እዮም ዝበለ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፡፡
ዜጋታት ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ሰብ ዋና መንበሪ ኣባይቲን ኢንቨስት ክገብሩን ዝተቀመጠ መጠን ገንዘብ 150 ሽሕ ዶላር እዩ።
እቲ ዝቐረበ መጠን ገንዘብ ውሑድ ብምዃኑ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተለዓለ እንትኾን ዝተመደበ መጠን ገንዘብ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕዳጋ ኣባይቲ እንትነፃፀር ዝወፀ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ዝተመደበ መጠን ገንዘብ 150 ሽሕ ዶላር እንትኾን፤ ብከይዲ ግዘ እናተመሃየሸ ከምዝኸድ ተሓቢሩ፡፡
እቶም ዝመፁ ኢንቨስተራት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ምስራሕ እንተደልዮም ብዝመፀ መምርሒ መሰረት ኣብ ክልላት ተፈፃሚ ከምዝኾን ተገሊፁ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!