ዜጋታት ወፃኢ ኣዋጅ በዓል ዋና ዘይንቀሳቀስ መንበሪ ገዛ ናይ ምዃን መሰል ኣፅዲቁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዜጋታት ወፃኢ ኣዋጅበዓል ዋና ዘይንቀሳቀስ መንበሪ ገዛ ናይ ምዃን መሰል ኣፅዲቁ፡፡

ነቲ ኣዋጅ ብዝምልከት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርህን ተዋሂቡ።

መሬት ናይ መንግስቲን ህዝብ ከም ምዃኑ ንኢንቨስትመንት ዝመፁ ዜጋታት መሬት ብምሻጥን ምልዋጥን መሰል የብሎምን ተባሂሉ፡፡

መሰል ኢትዮጵያ ብዘይነክእ መልክዑ ዜጋታት ወፃኢ በዓል ዋና ዘይንቀሳቀስ መንበሪ ገዛ ናይ ብምዃን ኣብ ኢንቨስትመንት ክዋፈሩሩን ስራሕቲ ክሰርሑን እዮም ዝበለ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፡፡

ዜጋታት ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ሰብ ዋና መንበሪ ኣባይቲን ኢንቨስት ክገብሩን ዝተቀመጠ መጠን ገንዘብ 150 ሽሕ ዶላር እዩ።

እቲ ዝቐረበ መጠን ገንዘብ ውሑድ ብምዃኑ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተለዓለ እንትኾን ዝተመደበ መጠን ገንዘብ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕዳጋ ኣባይቲ እንትነፃፀር ዝወፀ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ዝተመደበ መጠን ገንዘብ 150 ሽሕ ዶላር እንትኾን፤ ብከይዲ ግዘ እናተመሃየሸ ከምዝኸድ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ዝመፁ ኢንቨስተራት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ምስራሕ እንተደልዮም ብዝመፀ መምርሒ መሰረት ኣብ ክልላት ተፈፃሚ ከምዝኾን ተገሊፁ፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment