ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህነፅ ሓዱሽ መዓርፎ ነፈርቲ ኣህጉራዊ ምትእስሳር ንምዕባይን ቁጠባዊ ዕብየት ንምቅልጣፍን ዓቕሚ ዘለዎ ስትራተጂካዊ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ።
ኣይተ ኣሕመድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቢሾፍቱ ንምህናፅ ዝተለሞ ዓብዩ መዕርፎ ነፈርቲ መጀመሪ መድረኽ እዮም እዙይ ዝበሉ፡፡
እቲ ሓድሽ ፕሮጀክት መዓርፎ ነፈርቲ ሓደ ካብቶም ሃገራዊ ሜጋ ፕሮጀክትታት ምዃኑን እቲ ፕሮጀክት ካብ መባፅሕ ትራንስፖርት ንላዕሊ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ፕሮጀክት ዓቕሚ እቲ መንገዲ ኣየር ብምዕባይ ዓለምለኻዊ ተወዳዳርነቱ ንምርጋጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እዙይ እውን ንኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ መዳረግቲ ኣቬሽን ክትከውን ዘኽእላ ምዃኑ ሓቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ምስ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ቁጠባዊ ምምሕያሽን ዓለም ለኸ ትካል ትራንስፖርት ማሕበር ዓወታት ዝተናበበ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ብመሰረት ዓለም ለኸ ደረጃታት ዝተኸተለ እንትኾን ናይ ነዊሕ እዋን ዕላማታቱ ኣብ ከባብያውን ማሕበራውን ስነ ምህዳር መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ቀረባ እዋን ብዓቕሚ እታ ሃገር ዝተመረቐ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ድልውነት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ብመሳፍንት ብርሌ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!