ዝመፅእ ዘሎ ለውጢ ብንቑሕ ዓይኒ ምርኣይ፣ ምሕታትን ምድጋፍን የድሊ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ዝመፅእ ዘሎ ለውጢ ብንቑሕ ዓይኒ ምርኣይ፣ ምሕታትን ምድጋፍን የድሊ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ብዛዕባ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ እዋናዊ ፈተናታትን ቀፃሊ ኣንፈትን ጠሚቶም ኣብ ዝገበርዎ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጣቢያታት ሕክምና ናይ ምስፋሕ ስራሕ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ሰብ ሞያ ጥዕና 53 ሚኢታዊ ምውሳኺ ብምሕባር፥ እዚ ስራሕ እንተዘይስራሕ ትካላት ጥዕና ኣብ ኢትዮጵያ ሐዚ ዘሎ ህዝቢ ብእኹል ኩነታት ምትእንጋድ ከምዘይኽእላ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ሙያ ሕክምና ዝስራሕ በዓል ሙያ ቀጥታ መሃያ ረኺቡ ዶ ኣይረኸበን እንተተባሂሉ ዘይክረክብ ይኽእል ግን ኣብ መዓልቲ 50 ሰብ ዝርእይ ዝነበረ ብዝተወሰነ ደረጃ በቢቦትኡ ዝሕግዝ ሰብ አንትፍጠር ቁፅሩ ይቕንስ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ንካልኣይ ሰብ ዕድል ስራሕ ንክረክብን ቀደም ዝነበረ በዓል ሙያ አወን ተወሳኺ ግዘ ንክረክብ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዚ ብቑፅሪ ዘሎ ዕብየት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብብርኪ ሃገር ሎሚ ዘበን 91 ቢሊየን በር ወሰኽ መሃያ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓቕሚ ከምዝኾነን ካብዚ ንላዕሊ ከምዘይትኽእልን ዝተገበረሉ አወን ብዙሕ ነገር ቀናኒሳ ዝገበረቶ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ካብዚ ንላዕሊ እንተዝውሰኽ ዝረብሕ ከምዝኾነን ሰራሕተኛ መንግስቲ መሃይኡ እኹል ከምዘይኮነን ኣረዲኦም።

ብሓደ ወገን ስብራት ንፅግን ብኻሊእ መዳይ ድማ ሃገር ንሰርሕ ኢና ስለዝበልና ብዝተወሰነ መገዲ መስዋእቲ አንተዘይከፊልና አንሓስቦ ነገር ምዕዋት ኣይንኽእልን ኢሎም።

ሎሚ ዘበን መንግስቲ ፊዴራል መሃያ ዝኸፍሎ ካብ ዝኣቱ ኣታዊ ኣስታት ፍርቂ ከምዝኾነ እወን ኣረዲኦም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

Comments (0)
Add Comment