ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተማልአ ስብእና ዘለዎ ሰብ ሃገር ኢዩ ዘቐድም ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)።
እቶም ዋና ኮሚሽነር ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ሓደ ትውልዲ ንቕድሚት ካብ ዝወስዶ ነገር ሓደ ጠንካራ ዝኾኑ ኣርኣያታት ምሓዝ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያዊያን ብኣርበኝነት፣ ጒያን ካልኦት ዓውዲታትን ኣርኣያ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ናይ ቁልዕነት እዋነይ ንናይ ሐዚ ስብእናይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ በምባል፥ ዝተማልአ ስብእና ዘለዎ ሰብ ኢትዮጵያዊነት የኽብር፣ ንህዝባ ይፎቱ ከምኡውን ሃገር ኢዩ ዘቐድም ክብሉ ገሊፆም።
ናይ ቁልዕነት እዋኖም ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኩለን ኣዶታት ኣዶታትና፣ ኩሉ ቆልዓ ናይ ኩሉ ውላድ ብምዃኖም ቆልዑ ናይ ምቁፅፃር ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሰብ ነይሩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ዝምድና ንህንፀት ስብእና ህፃናት ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
እቶም ዋና ኮሚሽነር ምስ ፋና ፖድካስት ዝነበሮም ፃንሒት ንምክትታል ነዚ ጠነግ ብምጥዋቕ የድምፁ/ፃ https://www.youtube.com/watch?v=oKEVePreXQ4
ብብርሃኑ ኣበራ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!