ዝተማልአ ነፃነት ዕብየት ኢኮኖሚ ባህሊ ስራሕ ንምዕባይ ቁልፊ ጉዳይ እዩ – ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝተማልአ ነፃነት ዕብየት ኢኮኖሚ ባህሊ ስራሕ ንምዕባይ ቁልፊ ጉዳይ እዩ ኢለን ሚኒስትር ክእለት ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል፡፡

ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስትሪ ስራሕን ክእለትን ብምትሕብባር “ባህሊ ስራሕን ኣፍራይነትን ንልኡላውነት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ፓነል ዘተ ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ምስ ኩነታት ዓለም ሓቢርካ ንምጉዓዝ ካብ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ስራሕ ባህሊ ክሳብ ተግባር ምልዋጥ የድልይ፡፡

ዝተማልአ ነፃነትን ዕብየት ኢኮኖሚ ባህሊ ስራሕ ንምዕባይ ቁልፊ ጉዳይ ምዃኑ ብምሕባር÷ ኣተሓሳስባ ባህሊ ስራሕ ንምምፃእን ኣረኣእያ ለውጢ ንምግባር ከምኡ እውን በቢ ከባቢኡ ፀጋታት ምርኣይ ከምዘድሊ ገሊፀን፡፡

ኢትዮጵያ መግለፂኣ ስራሕ ዝኾኑ ህልውና ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ ዜጋታት ክህልዎም ባህሊ ስራሕ እናዕበየት ከምትርከብ ብምሕባር÷ ቀፃሊ ወለዶ በዙይ ዝተሃነፀ ክኸውን ብትኹረት ምስራሕ የድልይ ክብላ ሓቢረን፡፡

ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ምስ ትካላት ፌደራልን ክልልን ዝተውፃእፅኡ ካልኦት ዕዱማት ተሳተፍቲ እናዘተይሉ ይርከብ።

ብማርታ ጌታቸው

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment