ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝተማልአ ነፃነት ዕብየት ኢኮኖሚ ባህሊ ስራሕ ንምዕባይ ቁልፊ ጉዳይ እዩ ኢለን ሚኒስትር ክእለት ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል፡፡
ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስትሪ ስራሕን ክእለትን ብምትሕብባር “ባህሊ ስራሕን ኣፍራይነትን ንልኡላውነት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ፓነል ዘተ ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ምስ ኩነታት ዓለም ሓቢርካ ንምጉዓዝ ካብ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ስራሕ ባህሊ ክሳብ ተግባር ምልዋጥ የድልይ፡፡
ዝተማልአ ነፃነትን ዕብየት ኢኮኖሚ ባህሊ ስራሕ ንምዕባይ ቁልፊ ጉዳይ ምዃኑ ብምሕባር÷ ኣተሓሳስባ ባህሊ ስራሕ ንምምፃእን ኣረኣእያ ለውጢ ንምግባር ከምኡ እውን በቢ ከባቢኡ ፀጋታት ምርኣይ ከምዘድሊ ገሊፀን፡፡
ኢትዮጵያ መግለፂኣ ስራሕ ዝኾኑ ህልውና ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ ዜጋታት ክህልዎም ባህሊ ስራሕ እናዕበየት ከምትርከብ ብምሕባር÷ ቀፃሊ ወለዶ በዙይ ዝተሃነፀ ክኸውን ብትኹረት ምስራሕ የድልይ ክብላ ሓቢረን፡፡
ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ምስ ትካላት ፌደራልን ክልልን ዝተውፃእፅኡ ካልኦት ዕዱማት ተሳተፍቲ እናዘተይሉ ይርከብ።
ብማርታ ጌታቸው
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!