ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ዘላቒ ንምግባር ሐዚ እውን መንግስቲ ፃውዒት ሰላም የቕርብ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ።
ኣብ ሻድሻይ ጨፌ ኦሮሚያ መበል ታሽዓይ ስሩዕ ጉባኤ ናይቲ ክልል ናይ 2017 ዓ.ም ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዘቕርቡ ዘለዉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ መንግስቲ እንትገብሮ ዝነበረ ፃውዒት ሰላም ዘተባብዕ ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኢዩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ዘላቒ ንምግባር ሐዚ እውን መንግስቲ ፃውዒት ሰላም የቕርብ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብቲ ክልል ኩለ መዳይ ምዕባለ ምምፅኡ ገሊፆም፥ ኣብ ገብርና፣ ኣወሃህባ ኣገለግሎት፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ዓውዲታትን እቲ ባጀት ዓመት ዕዉት ከምዝነበረ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ብምግላፅ፥ ዕድል ስራሕ ንዝተፈጠረሎም መካየዲ ስራሕ ዝኸወን 14 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ከምዝተመዓራረየ ተዛሪቦም።
ብታምራት ደለሊ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!