ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተጀመሩ ህንፀት ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት መሰረተ ልምዓታት ብሰሌጤንን ፅርየትን ንክፍፀሙ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
እተን ከንቲባ ሎሚ ንጎሆ ካብ ኡራኤል ብራስ፣ ቦሌ መድሃኒዓለም ጎላጎል ክሳብ እንግሊዝ ኤምባሲ ዝዘልቕ ፕሮጀክት ኮሪደር ልምዓትን ህንፀት ፒኮክ(ማእከላዊ) ፓርከን ገምጊምና ኢለን።
እቲ ኮሪደር ኣብ ከተማና መበል ካልኣይ ዙር ልምዓት ኮሪደር ንምስፋሕ ዝተጀመረ ታሽዓይ ኮሪደር ኢዩ ኢለን።
ብሓፈሻ 11 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍንን ኣብ ውሽጡ ብዙሓት መውሃቢ ኣገለግሎት ህዝቢ ዝሓዘ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ከይዲ እቲ ህንፀት እውን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ተዛሪበን።
ካብቲ ኮሪደር ብተወሳኺ ንብዙሕ እዋናት ተረሲዑ ዝነበረ፣ ካብ ሀዝቢ ተወሲዱ ብውልቀ ሰባት ብዘይኣግባብ ተወሪሩ ንብዙሕ ግዕዝይና ተቓሊዑ ዝነበረ ታሪኻዊ ናይ ፒኮክ ወይ ማእከላዊ ፓርክ ምስ ወሰን ወሓዚ ሩባ ኣዛሚድና ብብርኪ ዓለም ለኸ ነልምዕ ኣለና ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!