ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኢኮኖሚ ሃገር ንምቕናዕ ብዘኽእል መልክዑ እናተሰርሑ ይርከቡ ኢለን ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፡፡
ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ “ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፤ ከም ሃገር ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኢኮኖሚ ሃገር ንምቅናዕ ብዘኽእል መልክዑ እናተሰርሑ ይርከቡ።
ኣብ ከባቢ ወላይታ ሶዶ ብዙሕ ዝተሃረ ሓይሊ ሰብ ከምዘሎ ብምሕባር÷ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘኽእሉ ኢንሼቲቫት ከም ክልል ክዋደዱ ይግባእ ኢለን።
ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ነበርቲ ከተማ ወላይታ ሶዶ ከም ሃገር ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ከምዝድግፉ ብምግካፅ÷ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ብዲጂታላይዜሽን ናይ ምዝማን ስራሕ ንኽስፋሕፋሕ ሓቲቶም።
ብመለስ ታደለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!