ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ኮነ ሕፅረት ቀረብ የለን ኢሉ።
ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብ ቀረብን ዝርገሐን ነዳዲ እናተርኣየ ዝርከብ ፀገም ብዘይተገበአ መገዲ ብዝተጋወሐ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ምኽንያት ዝተፈጠረ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ወርሒ ግንቦት መንግስቲ ሓፈሻዊ ድጎማ ነዳዲ ከምዘልዐለ ብምዝኽኻር÷ ይኹን እምበር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት እቲ ድጎማ ብዝምልከት ስኑዕ ሓበሬታ ተጋዊሑ ኢዩ ኢሎም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ዋጋ ነዳዲ ዝለዓለ ክኸውን ኢዩ ዝብል ሓሳብ ክህሉ ከምዝገበረን ብምኽንያት ስግብግብ ነጋዶ ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎ ንምምሳል ፈተነ ከምዝተገበረን ኣብሪሆም፡፡
ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከምዘየለን ኣብ ቀረብ ማሕለኻ ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ኣካላት ክትትልን ስጉምቲን ምውሳድ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም፡፡
በዚ ድማ ፍቓድ ካብ ምሕዳግ ካብ 300 ሺሕ ክሳብ 500 ሺሕ ብር ቅፅዓት ገንዘብን ሓሊፉበ ኣብ ሰብ ዋና መከፋፈሊ ነዳዲ ካብ 2 ክሳብ 5 ዓመት ዝበፅሕ ናይ ማእሰርቲ ቅፅዓት ከምዝመሓላለፍ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ሓደ መዕደሊ ነዳዲ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ብምሕባር÷ ናብታ ከተማ ኣብ ዝተቐቀመጠሎም ግዘ ክኣትዉ ዝነበረን ተሽከርከርቲ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ እናተወገነ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!