ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝኾነ ይኹን ምትንኻፍ፣ ፈተና ይኹን ክፉእ ሓሳብ ንኢትዮጵያ ካብ ምዕባለ ጠጠው ኣየብላን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ሆሳእና እናተኸበረ ኣብ ዝርከብ መበል 20 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣብ መልእኽቶም ድማ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፀገማት ዘለዉዋ ትኹን እምበር ኣዚዮም ክንጥቀመሎም ዝግብኡ ዘይተነኽኡ ዓሞቕቲ ዓቕሚታት ከምዘለዉዋ ኣዘኻኺሮም፡፡
ምዕባለ ምዕዋት ፈታኒ ከይዲ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ዝወረስናዮ ናፅነት ጥራሕ ዘይኮነ ዝተሸከምናዮ ናይ ትውልዲ ሓደራ ክንሓስብ ኣለና፤ ምዕባለ ምፅናዕ እውን ኩሉ ተጊሁ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡
ናይ ሕዚ ትውልዲ ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ጥራሕ ዘይኮነስ ዓቕማ ፈልፊሉ ናይ ምርኣይን ምውፃእን ብቕዓት ከምዘለዎ ካብ ጅማሮ ስራሕቲ ምርኣይ ከምዝከኣል እውን ኣብሪሆም፡፡
ብብቕዓትን ጥበብን እነተዘይሰሪሕና ዝወቀበት፣ ዝበረኸት፣ ዝፀንዐትን ዝማዕበለትን ሃገር ንደቅና ንምርካብ ሎሚ ዝተውሃበና ዓብዪ ዕድል ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢሎም፡፡
ድሌት ሃገርን ክፍኣት ባዕዳውያንን ምፍላይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ባዕዳዊ ብኽፍኣት ናትና ስራሕ ንምፅልማት እንትለዓል ኢትዮጵያውያን ንድሌት ባዕዲ መሳርሒ ክንከውን የብልናን፤ ምኽንያቱ ብባዕዲ ዝተጠለፈ ገመድ ኣይፍታሕን ኣየኣስርን እውን ክብሉ ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ ብብዙሕ ተስፋ ዝተመልአት፤ ዘደንቕ ጅማሮን ውፅኢትን እናርአየትን እናበረኸትን እትርከብ ሃገር ከምዝኾነት እውን ኣብሪሆም።
እዚ ፅቡቕ ጅማሮ ብትግሃት ሰይጣን ቀትሪን ለይቲን ንምትዕንቓድ ፈተነታት ከምዝግበሩ ብምሕባር÷ ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ፈተና፣ ትንኮሳን ክፉእ ሓሳብን ንኢትዮጵያ ካብ ምዕባለ ጠጠው ከብላ ኣይኽእልን ኢሎም፡፡
ሕድሕድ ፈተና ናብ ዓወት ብምቕያር ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና፤ ሓድነት ኢትዮጵያ ክነጠናኽር ኢና፤ ናይ ኢትዮጵያ ፀላእቲ ሓደ ብሓደ ክነራግፎም ኢና ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!