ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምፅጋንን ኣገልግሎት ክህቡ ንምግባርን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ዘተ ዘካየዱ ሽሻይ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ልኡኽቶ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ቀንዲ ትኹረቱ ኣድለይቲ ህፁፃት ጠለባት ህዝቢ ምምላእ፣ ሰላምን ፀጥታን ምርግጋፅ፣ ከምኡ እውን ንዝቕፅል መረፃ ምቹው ኩነታት ምፍጣርን ምዃኑ ኣብሪሆም።
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ፅልዋ ጎንፂ ነበርቲ እቲ ክልል ህፁፅ ሓገዝ ምግቢን ሕክምናን ከምዘድልዮም ዝገለፁ እቶም ከንቲባ፤ ብፍላይ ፅልዋ ድርቂ ብምህላዉ ድሌት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ህፁፅ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ተምሃሮ ክልል ትግራይ ኣብዚ ዘበነ ትምህርቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዘይኣተዉ ብምሕባር ትምህርቲ ብቕልጡፍ ምጅማርን ምንቅስቓስ ዕዳጋ ምንቕቓሕን ካብቶም ክፍፀሙ ዝግባእ ተግባራት ምዃኖም ገሊፆም።
ነጋዶ ናብ ልሙድ ንግዳዊ ምንቅስቓሶም ክምለሱን ኣድለይቲ ናይ ጠለባት ፍርያት ናብቲ ክልል ክኣትዉ ከምኡ እውን ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ድሕንነት ህዝቢ ምርግጋፅ ነቶም ካልኦት ተግባራት ወሳኒ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ከንቲባ፤ ኣካላት ፀጥታን ፌደራል ፖሊስን ሰላምን ፀፅታን ንምርግጋፅ ዝዓለሙ ስራሕቲ የካይዱ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።
ህዝቢ እውን ምስ መንግስቲን በዓል ሓደራ ምምሕዳርን ብምትሕብባር ሰላምን ፀፅታን ንምርግጋፅ ዝግበኦ ግደ ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
የባለአደራ አስተዳደሩ የስድስት ወራት ተልዕኮ ውጤታማ እንዲሆን የሕዝቡ ተሳትፎና ትብብር ወሳኝ መሆኑን ያመለከቱት ከንቲባው ለሕዝቡ የተረጋጋ አካባቢ በመፍጠር የተመረጠ መንግሥት እስኪቋቋም ድረስ የሚያስፈልጉ ተግባራትን ለማሳካት በጋራ መሥራት እንደሚገባ አሳስበዋል።
ብዛዕባ ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ ብዝምልከት ድማ እቲ ስራሕ ካብ ምምዕባል እታ ከተማ ሓሊፉ ንካልኦት ከተማታት እቲ ክልል ንምብርትታዕ ከምዝሕግዝ ዝገለፁ እቶም ከንቲባ፤ ልምዓት ኮሪደር ቅድሚ ምጅማሩ ዘተ ህዝቢ ከምዝካየድን ሕቶታት ነበርቲ ብምልላይ ግቡእ መፍትሒ ንምሃብ ከምዝስራሕን ኣብሪሆም።
ስልጣን ናይቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ብሕጊ ኣብ ዝተወሰኑ ተግባራት ጥራሕ ዝተሓፀረ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ከንቲባ፤ ምልውዋጥ መሬት፣ ፍቓድ መዓድንን ኢንቨስትመነትን ምሃብ፣ ከምኡ እውን ሰፋሕቲ ውሳነታት ምሕላፍ ካብቲ ዝተውሃቦ ስልጣን ወፃኢ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ልኡኽቶ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልኡኽቶ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ውፅኢታዊ ንኽኸውን ተሳትፎን ምትሕብባርን ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ከንቲባ፤ ዝተመረፀ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ንህዝቢ ውሑስን ርጉእን ከባቢ ብምፍጣር ኣድለይቲ ተግባራት ንምዕዋት ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።
ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክልል ትግራይ ንምምሕዳር ብኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ሓጎስ፣ ቴዎድሮስ ኣረጋይ (ዶ/ር)፣ ብርጋዴር ጀነራል ገብረ እግዚኣብሄር በየነ፣ ኣይተ ረዳኢ ኃሓለፎምን ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)ን ዝምራሕ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ካቢኔ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።
ብዮናስ ጌትነት