ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ርክብ ኣፍሪካ-ህንዲ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሰጋግር ኢዩ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ርክብ ኣፍሪካ-ህንዲ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሰጋግር ኢዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ።

ቀደማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ታሪካዊ ዑደት እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ እቲ ዑደት ናይ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሰጋግር ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ማዕቀፍ ፖሊሲ ኣፍሪካ ውሽጢ እናወሰኸ ዝመፅአ ናይ ኢኮኖሚ ዘምድና፣ ኩለ መዳይ ልምዓትን ስትራቴጂካዊ ምትሕብባርን፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጉልሁ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ኣገለግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ዑደት ቀደማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀንዲ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እቲ ዑደት ካብ ዝተለመደ ዲፕሎማሲያዊ ሕውነት ብተወሳኺ ሀንዲ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ሕውነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዓለም ለኸ ድምፂ ደቡብ ብሓባር ንምጉላህ ዘለዋ ባህጊ ምውሳኺ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment