ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ዞባዊ ድሕንነት ንምሕላው ዞባዊ ትካላት ፀፅታ ምጥንኻርን ብሓባር ምስራሕን ኣድላዪ ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
ዞባዊ ኣኼባ ኮሚቴ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምብራቕ ኣፍሪካ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ዘረጋግፅ ምትእምማን ብምህናፅ፣ ኣብ ሓበራዊ ዕድላት ብምስራሕን ብምፅናዕን ኢዩ ኢላ ከምትኣምን እውን ተዛሪቦም፡፡
ሸቶ ኣጀንዳ 2063 ሰላማዊት፣ ጎንፂ ዘይብላን ዕድላት ዕቤት ዝሰፍሑላን ኣፍሪካ ጋህዲ ናይ ምግባር ኣጀንዳ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ንሰላም እቲ ከባቢ ንዓመታት ብፅንዓት ዝቖመት ሃገር ከምዝኾነት ብምሕባር፤ “እዚ ድማ ዘይልወጥ ተግባር ሰላም ኢትዮጵያ ዝኾነት ሃገር ጎረቤታ ብስእነት ሰላም እናተሃወኸት ምዕባይ ትኽእል የላን ካብ ዝብል እምነት ዝፍልፍል ቅዋም ኢዩ” ኢሎም።
ብለይኩን ኣለም