ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “የመደመርመንግሥት” ዘይተኸዶ መገዲ ምጉዓዝ ይመርፅ ኢሎም፡፡
ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝተፅሓፈ ‘የመደመር መንግሥት’ ዝተብሃለ መፅሓፍ ትማሊ ተመሪቑ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ‘የመደመር መንግሥት ‘ ዝተብሃለ መፅሓፍ ታሪክ እምበር ታሪኽ ዝዝኽር ኣይኾንን ብዝብል መልእኽቲ ዝተዳለወ እዩ ኢሎም፡፡
“የመደመርመንግሥት” ብዘይተኸዶ መንገዲ ምጉዓዝ ይመርፅ ብምባል ገሊፆም፤ እዚ ጉዕዞ መንግስቲ መደመር ንምርኣይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሱዳንን እኹላት ኣብነታት ምዃኖም ገሊፆም።
ሱዳን ንሕና እንትንልወጥ ሰላማዊት ሃገር እያ ነይራ ሕጂ ግን ዝተዛብዐ ሕቶ ምስ ተላዕለ ብደቃ ዝተሃነፀ ኢንተርናሽል መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣፍሪሳቶ ኢሎም።
ሱዳናውያን ዝኽተልዎን ዝመረፅዎን መገዲ ኣፍራሲ ምዃኑን ናብ ፀገም ምእታዎም ሓቢሮም፡፡
ንሕና ድማ ብገንዘብ፣ ብሓሳብ፣ ብኣሰራርሓ፣ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ምስ ብስራቱ ተቐቢልና ናብ መደምደምታኡ ከነብፅሖ ክኢልና ኢሎም፡፡
‘የመደመር መንግሥት’ ዝተብሃለ መፅሓፍ ሰራሕቲ ታሪኽ እምበር ዘከርቲ ታሪኽ ኣይኮናን ብዝብል መልእኽቲ ሒዛ ዝተፃሕፈት መፅሓፍ ምዃና ኣረዲኦም።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!