“የትውልድ አሻራ” ብዝብል ዝተሰየመ  መልእኽቲ ብስራት ግድብ ህዳሰ መተሓላለፊ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) “የትውልድ አሻራ” ብዝብል ዝተሰየመ መልእኽቲ ብስራት ግድብ ህዳሰ መተሓላለፊ ፕሮጀክት ፍልፍል ኣታዊ ዕላዊ ኮይኑ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር)፥ እቲ ግድብ መርኣያ ሓድነትናን ፅንዓትናን ዝኾነ ናይዚ ዘበን ዓድዋ ኢዩ ኢሎም።

ፕሮጀክት እቲ ግድብ ንኣፍሪካ መርኣያ ከምዝኾንና ዳግማይ ዘርኣናሉ ኢዩ ብምባል፥ እቲ ግድብ ኣብዚ ክሳብ ዝበፅሕ  ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ውፅኢት ኣምፂኡ ኢዩ፤ ሰዓርቲ እውን ኮይንና ኢና ኢሎም።

ፅንዓት፣ ጅግንነት ዘርኣናሉ እዚ ፕሮጀክት ብውሽጥን ወፃኢን ዘጋጠሙ ፈተናታት ብምሕላፍ ናይ ፃዕርና ፍረ ርእይና ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ 8100 ብምጥቃም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ነቲ ግድብ ኣሰሩ አንተንብር ከምዝፀንሐ ብምዝኽካር፥ ሐዚ ድማ እቲ ግድብ ብምዝዛሙ ኩሉ ሰብ ዝተሰመዖ ስምዒት ብ8120 ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ ዝልእኸሉ ናይ ብስራት መተሓላለፊ ፕሮጀክት ዕላዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሓፂር መልእኽቲ መመሓላለፊ ኣማራፂ ካብ ሎሚ 27 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 30 መስከረም 2018 ዓ.ም ከምዝፀንሕ እውን ተሓቢሩ።

ብሃመልማል ዋለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment