ተሳተፍቲ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ምድላዋት ተገይሩ – ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕ ስሩዕ ኣኼባ ከምኡ እውን ኣብ ጉባኤ ጣልያን ኣፍሪካን ዝሳተፉ 20 ሺሕ ኣጋይሽ ንምእንጋድ ምድላዋት ኣካይዱ ኢሉ።
መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ጉባኤታት ጣልያን ኣፍሪካን መብሰሪ ስነ ስርዓት ተሳሊጡ።
ኣብቲ መብሰሪ ስነ-ስርዓት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዲኤታ ብርሃኑ ፀጋዬ ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ክልቲኡ ጉባኤታት ንምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ 20 ሺሕ ተሳተፍቲ ንምእንጋድ ምድላዋት ተገይሩ።
ኣብቲ ጉባኤ መበል 39 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ዋና ፀሓፊን ምክትል ፀሓፊን ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራትን መራሕቲን ትካላትን ክሳተፉ እዮም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ 7ን 8ን ለካቲት 2018 ዓ.ም ቅድም ኢሉ ድማ መበል 48 ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ 4ን 5 ለካቲት 2018 ዓ.ም ክሳለጥ እዩ፡፡
ጉባኤ ጣሊያን ኣፍሪካ ድማ 6 ለካቲት 2018 ዓ.ም ክካየድ እዩ።
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!