ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ሃዋሳን ሃረማያን ብዘፈር ጥዕና ዘሰልጠኑዎም ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቖም፡፡
ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ብዓውዲ ሕክምና ዘሰልጠኖም 427 ተምሃሮ ኣመሪቑ፡፡
ብመሰረት እዚ ብዶክተሬት ሕክምና 88፣ ብጥዕና ሳይንስ ቀዳማይ ዲግሪ 268 ፣ ብስፔሻሊቲ 70 ተምሃሮ ከምኡ እውን ብሰብ ስፔሻሊቲ 1 ተምሃራይ ከምዝተመረቑ ተገሊፁ።
ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ሃረማያ ብቐዳማይ፣ 2ይን 3ይን ዲግሪ ከምኡ እውን ብስፔሻሊቲ ዘሰክጠኖም 616 ተምሃሮ ኣመሪቑ፡፡
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 478 ተምሃሮ ብቐዳማይ ዲግሪ፣ 128 ብ2ይ ዲግሪ፣ 3 ብዶክትሬት ዲግሪ ከምኡ እውን 7 ብስፔሻሊቲ ዝሰልጠኑ ኢዮም፡፡
ብተመስገን ቡልቡሎን ነጌሶ ከድርን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!