ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ወላይታ ሶዶን ወለጋን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዘሰልጠነኦም ተምሃሮአን ኣመሪቐን፡፡
ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ብስሩዕ ብተኸታታሊ መርሃ ግብሪታታትን ብቀዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 710 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ካብ መንጎ ተመቐረቕ 32 ሜዲካል ዶክትሬትን 32 ብስፔሻሊቲን ትምህርቶም ዝዛዘሙ ኢዮም።
ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ጉቼ ጉሌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዘተጀመሩ ስራሕቲ ውፅታዊ ንኽሖኑን ፀገም ፈታሕቲ ዜጋታት ንምህናፅን እቲ ዩኒቨርሲቲ ተግባር ተኮር ስራሕቲ ብምስራሕ ሓላፍነቱን እናተዋፀአ ይርከብ ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 70 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ብጥላሁን ሁሴንን ዮሃንስ መልካሙን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!