ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ) ሎሚ ዓመት ኣብ ዩኒቨርስቲታት ዝውሃብ ቅድመ ምርቃ መውፅኢ ፋተና ምሃብ ምጅማሩ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ፈተና ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 10 ሰነ 2017 ዓ.ም ከምዝውሃብ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ኣካዳሚክ ኣብቲ ሚኒስቴር ኤባ ሚጀና (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡
ኣብ 51 ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ዝተሰናድኡ 87 ማእኸላት ፈተና እቲ ፈተና ከምዝውሃብ ንፋና ሚዲያ ኮርፓሬሽን ተዛሪቦም፡፡
ኣብዚ ዓመት መውፅኢ ፈተና 190 ሺሕ 787 ሕፁያት ቅድመ ምርቃ ተመረቅቲ ተመሃሮ ነቲ ፈተና ክወስዱ ምዃኖም ሓቢሮም።
ካብዚ ውሽጢ102 ሺሕ 360 ተምሃሮ ንፈለማ እዋን ፈተና ክወስዱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
እቲ ፈተና ኣብ ኩለን ማእከላት ፈተና ኣብ 238 ብመርበብ ሓበሬታ ዝውሃብ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ብመሳፍንት እያዩ
Facebook FBC Tigrigna
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana