ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንመበል 54 ዙር ዘምሀሮም 263 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ኣገልግሎት ጥዕና ፅሬት፣ ተበፃሕነትን ፍትሓዊነትን ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሰብ ሞያ ይዕና ዘይትካእ ግደ ኣለዎም።
ተመረቕቲ እውን ኣብ ስረሖም ሙያዊ ስነምግባር ብምሕላውን ብርህራሀ ከገልግሉን ከምዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ብምውዳድ ብቑዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ብምፍራይን ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ መሃብን ዕዙዝ ግደ እናተፃወተ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ናይዚ ዓመት ተመረቕቲ 98 ሚኢታዊ ዝኾኑ መውፅኢ ፈተና ምሕላፎም ፅሬት ትምህርቲን ዓወትን እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘመላኽት ኢዩ ኢሎም፡፡
ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ቦንጋ 44 ተምሃሮ ፋርማሲ ሓዊሱ ን7ይ ግዘ ኣብ ኣርባዕተ ኮሌጃትን ቅድመ ስሩዕን ተኸታታሊን መርሃ ግብሪ ዘሰልጠኖም 146 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ደገላ ኤርጌኖ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ብስሩዕ ፕሮግራም እናተመዝገቡ ዝርከቡ ውፅኢታት ብተኸታታሊ መርሃ ግብሪታት ንምዕዋት ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም።
ብፍሬው ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!