ዩኒቨርሲቲ ወራቤ  1 ሺሕን 561 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲ ወራቤ  ብመርሃ ግብሪ ድህረ ምረቓ ስሩዕ፣ ሰሙናዊን ምሸትን ዘምሃሮም 1 ሺሕን 561 ተምሃሮ ሎሚ ኣመሪቑ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ቶፊቅ ጀማል (ዶ/ር)፥ እቲ ዩንቨርስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 10 ሺሕ ተምሃሮ የምህር ኣሎ ኢሎም።

ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ብምርምር ዝተሓገዙ ተግባራት ብስራሕ ንምግላፅ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ እወን ተዛሪቦም።

ትካላት ስልጠና ምዕባለን ዕብየትን ሃገር ንከረጋግፃ ዘኽእል ስራሕቲ ክሰርሓ ክምዝግበአን ኣገንዚቦም።

ብይስማው ኣደራው

Comments (0)
Add Comment