ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዩኒቨርስቲ ጎንደር ከም ካልኦት ፍሉጣት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብተወዳዳርነት ጥራሕ ዘይኮነስ ብብቕዓት እውን ዓመታት ዝተሳገረ እዩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ።
ዩኒቨርስቲ ጎንደር መምሃሪ ሆስፒታልን መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ዪኒቨርስቲ መበል 70 ዓመት መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣካል ዝኾነ ጉባኤ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ ዩኒቨርሲቲታት ሓሳባቶምን ስራሕቲታቶምን ኣቕሪቦም ልምዲ ዝለዋወጥሉ መድረኽ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፋ ሚኒስትር ዲኤታ ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ከምዝበልኦ፤ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ከም ካልኦት ፍሉጣት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ብተወዳዳርነት ጥራሕ ዘይኮነስ ብብቕዓት እውን ዓመታት ዝተሳገረ እዩ።
እቲ ትካል ክሳብ ሕዚ ዘካየዶ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓ ዘለዎ ስራሕቲ ብምቕፃል ንኻልኦት ተሞክሮ ብዝበለፀ ከካፍል ሓቲቶም።
ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርስቲ ኣስራት ኣፅደወይን (ዶ/ር) ብግዲኦም፤ እቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝህቦ ዝፀንሐ ግልጋሎት ናብ ልዑል ደረጃ ምብፅሑ ኣረዲኦም።
ብሙሉጌታ ደሴ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!