ዩኒዶ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒዶ) ኣብ ፕሮጀክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ጎድና ጎድኒ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ምክትል ዳይሬክተር ጄኔራል ዓለም ለኸ ምሕዝነትን ዘፈር ርክባት ወፃኢን ዩኒዶ ፋቱ ሃይዳር ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ብሄራዊ ልምዓት ኢንዱስትሪ እናተተግበሩ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ማለት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኢኮኖሚ፣ ፓርክታት ኢንዱስትሪን መቀነባበሪ ምግቢን ዝተመተ መብርሂ ገይሮም።

ነዚ ስራሕ ሓገዝ ዩኒዶ ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምክትል ዳይሬክተር ጄኔራል ፋቱ ሃይዳር ብግደአን ኢትዮጵያ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ካብ ጥሜት ናፃ ዓለም ኮንፈረንስ ብዕዉት መገዲ ምትእንጋዳ ብምምስጋን ትካለን ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፀን።

Comments (0)
Add Comment