ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ሓይሊ ካብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምርካብ ስምምዕነት ክትፍፅም እያ ኢሎም ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዓብዪ ሃይድሮኤሌክትሪክ ግድብ ተሃኒፁ ብምዝዛሙ እንዃዕ ደስ በለኹም ኢሎም፡፡
እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሃገራት ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝገብር ብምሕባር፤ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገሮም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርካብ ዘኽእላ ስምምዕነት ምስ ኢትዮጵያ ከምትፍፅም ሓቢሮም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!