ደቡብ ሱዳን ካብ ግድብ ህድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ንምርካብ ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕነት ክትፍፅም እያ- ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ሓይሊ ካብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምርካብ ስምምዕነት ክትፍፅም እያ ኢሎም ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዓብዪ ሃይድሮኤሌክትሪክ ግድብ ተሃኒፁ ብምዝዛሙ እንዃዕ ደስ በለኹም ኢሎም፡፡

እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሃገራት ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝገብር ብምሕባር፤ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገሮም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርካብ ዘኽእላ ስምምዕነት ምስ ኢትዮጵያ ከምትፍፅም ሓቢሮም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment