ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ደቡብ ኮሪያ ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቶም ስማርት ስልኪ ከይሕዙ ዝኽልክል ሕጊ ኣፅዲቓ፡፡
እቲ ሕጊ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2026 ተግባራዊ ምዃን ክጅምር ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ህፃናትን ሰገናትን ብወልፊ ዘበናዊ ስልኪ ከምዝዝተቓልዑ ብመፅናዕቲ ምርግጋፁ ስዒቡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
እቲ ስጉምቲ ተምሃሮ ካብ ወልፊ ስማርት ስልኪ ንምሕላው ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
መውፃእቲ ሕጊ እታ ሃገር፣ ወለዲን መምህራንን ዘበናዊ ስልኪታትን ናይ ህፃናት መፅናዕቲ እዋን ብምሽማይ ኣብ ውፅኢቶም ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ ይርከብ ኢሎም።
ይኹን እምበር ዘበናዊ ስልኪታት ናይ ምጥቃም ወልፊ ንምክልኻል ካብ ዝፀደቐ ሕጊ ብተወሳኺ ማዕዳታት ስነ ልቦና ምሃብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ብመሰረት መፅናዕቲ መንግስቲ 25 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ወልፊ ስማርት ስልኪ ዝርከብ እንትኸውን ዕድሚኦም ካብ 10 ክሳብ 19 ዝኾኑ ሰገናት ድማ 43 ሚኢታዊ ዝኾኑ ወልፊ ዘበናዊ ስልኪ ከምዘለዎም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!