ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቡብ ኮርያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዘመን ተሳጋሪ ምሕዝነት ናብ ልዑል ብርኪ ንምዕባይ ናይ ኢንቨስትመንትን ኢኮኖሚ ርክብን ንምዕባይ ትደልይ ኢሎም ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ደቡብ ኮርያ ጆ ሆ ያንግ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ላዕለዎት ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ደቡብ ኮርያ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡
ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ጆ ሆ ያንግ ድሕሪ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ንሰላም ደቡብ ኮርያ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ዘለዋ ክብሪ ንፕሬዚዳንት ታዬ ምግላፆም ተዛሪቦም፡፡
ደቡብ ኮርያ ኣብ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ምስ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፆም፡፡
ነዙይ እውን መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተወፋይነት ከምዘለዎ ካብ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምርግጋፅ ምርካቦም ተዛሪቦም፡፡
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቀቢሎም ዝዘተዩ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ልዑል ብርኪ ንምስግጋር ብወገን ኢትዮጵያ ድልየት ምህላው ኣረዲኦም፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!