ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቡብ ኮርያ መንግስቲ ሪፐብሊክ ዩኒሴፍ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝውዕል 10 ሚሊየን ዶላር ድጋፍ ገይሩ፡፡
ተወካሊ ዩኒሴፍ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ካምፖ (ዶ/ር) ኣብ እዋን፤ እቲ ትካል ንሰብኣዊ ተግባራት ህፁፅ ፋይናንሳዊ ደገፍ ኣብ ዘድልየሉን ዓለም ለኸ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ፍልፍላት እናደረቑ ኣብ ዘለዎ እዋናት ዝተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ዩኒሴፍ እቲ ደገፍ ስራሕቱ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ከምዝገብር ሓቢሮም፡፡
እቲ ድጋፍ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ትግራይን ንዝርከቡ 365 ሽሕ ዜጋታት ከምዝገብር ተገሊፁ።
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!