ዲጂታላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ተደላይ ኮይኑ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዲጂታላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ተደላዩ ኮይኑ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

30 ሚልዮን ዜጋታት መለለዩ መንነት ስርዓት ፋይዳ ዜጋታት ግልጋት እናወሰዱ እንትኾ ነዚ ዲጂታላዊ ስርዓት ኣብ ዛምቢያ ሓዊሱ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዕዳጋ ንምትእትታው ድርድር ተጀሚሩ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ቤት ፍርዲ ዲጂታላይዜሽን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ስርዓት ምትሕልላፍ ገንዘብ ሞባይል ቴሌብር ድማ ዕዳጋ ካሜሮን ክኣቱ ከምዝኮነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሮም፡፡

ፋይዳ ሓዊሱ ዲጂታላዊ ስርዓትና ኣብ ሃገራትን ትካላትን ኣፍሪካ ተደላዩ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዓቕማ ስለዝሃነፀት እዩ ኢሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment