ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ተግባራዊ ክኸውን ዝፀንሐ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ዲጂታል ስርዓት ልዑል ውፅኢት ኣምፂኡ ኢሎም ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)።
ኩለመዳያዊ ዕብየት ምርግጋፅ ዝከኣል ኣሰራርሓ ስርዓት ብኢኖቬሽን፣ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምድጋፍ እንትከኣል ምዃኑ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ናብ ዲጂታላዊ ስርዓት ንምእታው ዘኽእል ማዕቀፍ ሕጊን ስትራቴጂን ኣዳሊያ ናብ ስራሕ ኣትያ ኢሎም፡፡
ናብ ዲጂታል ስርዓት ንምእታው ዘኽእሎ መሰረተ ልምዓት ተዛዚሙ ተግባራዊ ምግባር ምጅማሮም ሓቢሮም፡፡
እቲ ስትራተጂ ምስ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ፣ ናይ 10 ዓመት መሪሕ ትልሚ ልምዓትን ስትራተጂ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካን ተኣሳሲሩ ተግባራዊ ክኸውን ፀኒሑ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተግባራዊ ዝኾነ ስትራተጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዕውት ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኢሎም፡፡
መንግስቲ ኣሰራርሓ ዘመናዊ ኣብ ምግባር ተተሓሒዙ ግልጋሎት ማእከል ሓደ መሶብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጋህዲ ንምግባር ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውሽጢ እቲ ሓደ ምዃኑ ገሊፆ፡፡
ኣብ ቀፃሊ ግልጋሎት ማእከል ሓደ መሶብ ናብ ክልል ከተማታት ብምስፍሕፋሕ ተረባሕቲ እቲ ግልጋሎት ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!