ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጭቡጥ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ክትግበር ዝፀንሐ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጭቡጥ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ።

ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕድላት ዲጂታል ብምጥቃም ምህዞ ዘለዎን ኣብ ፍልጠት ዝተደረኸን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ኢኒሼቲቭ ኢዩ።

ዲጂታል ኢትዮጵያ ናይ መንግስቲ፣ ዓውዲ ውለቀን ኤጀንሲ ልምዓትን ተዋሳእቲ ኣብ ሓደ ብምእካብ፣ መሰረታዊ ተበግሶ እቲ ዓውዲ ብምፍላይ ናይዛ ሃገር ዲጂታል ኢኮኖሚ ጉዕዞ ዘሳልጥ ኢዩ።

ምሁራን እቲ ዓውዲ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፥ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ትካላት ካብ ወረቐት ኣሰራርሓ ንክወፅኡ ኣኽኢሉ ኢዩ።

ብተወሳኺ ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ መንግስቲ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ተወዳዳሪ ዝገብር ስርዓት ዲጂታል ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።

መምህርን ኣፈፃሚ ስራሕ ኢንፎርሜሽን ኮሚኒኬሽን ቴክኖሎጂን ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ  ሃብታሙ ፋንታ (ዶ/ር)፥ ብቴሌ በር፣ ሞባይል ባንኪን ካልኦት ዲጂታል ኣማራፅታተን ዝወሃቦ ኣገልግሎታት ምስፋሕ ነቲ ውፅኢት ልዑል መርኣያ ኢዮም ኢሎም።

ዳይሬክተር ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂን መምህር ኮምፒውተር ሳይንስን ዩኒቨርሲቲ ጂንካ ቡልቡላ ኩሜዳ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ናብራ ዜጋታት ዘቃልሉ መረዳእታታት ብቐሊሉ ንክረኽቡን ምኽኣሉ ተዛሪቦም።

ብኣስጨናቂ ጉዱ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment