ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ስራሕቲ ምክልኻ ገበን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ቴክኖሎጂ ብዘሰጋግር መልክዑ ክትግበር ኢዩ – ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ስራሕቲ ምክልኻ ገበን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ቴክኖሎጂ ብዘሰጋግር መልክዑ ክትግበር ኢዩ ኢሎም ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቂልፊ ስትራቴጂ ትልምታት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ተበፃነት ምስፋሕ፣ ማዕረ ዕድል ምፍጣር፣ ኣብ ሞንጎ ትካላትን ዜጋታትን ምትእምማን ምጉልባት ከምዝኾኑ ምግላፆም ይፍለጥ።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ስራሕቲ ፖሊስ ለውጢ ንኽምዝገብ ከምዝገበረ ኣዘኻኺሮም።

ሕብረተሰብ ሓበሬታታት ገበንን ዘድልዮም ሓበሬታን ብኣካል ኣብ ፖሊስ ጣቢያ እንተይተረኸበ ብሞባይል ስልኪ ጥራሕ ዝረኽበሉ ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ እቶም ኮሚሽነር ጄኔራል ገሊፆም።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰብ ኣልቦ ፖሊስ ጣቢያ ስራሕ ከምዝጅመር ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ፖሊስ ፌደራል ኣብ 2030 ምርመራ ገበን፣ ምክልኻልን ውሽጣዊ ኣሰራርሓታት ብቴክኖሎጂ ሙሉእ ብሙሉእ ንምዝማንን ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ፖሊሳዊ ኣገልግሎታት ብዝለዓለ ደረጃ ዘጎልብት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ 196 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዓለም ለኸ ጉባኤ ፖሊስ (ኢንተርፖል) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ብምሕባር፤ እቲ ትካል ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ብብርኪ ዓለም ተወዳዳራይን ዝዘመነ ከምዝኾነ ንምርኣይ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment