ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስትራተጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ልኡላውን ደሕንነቶምን ዝሓለው ስርዓት ዲጂታል ዝበዝሐሉ እዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ተመስገን ጥሩነህ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ስትራተጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዕላዊ ገይሮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዛዘሚ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025ን ዕላዊ መጀመሪ ስትራተጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030ን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እቲ ስትራተጂ ዜጋ ማእኸል ዝገበረ ስርዓት ዝበዝሐሉ ምዃኑ ተዛሪቦም።
እቲ ስትራተጂ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ፣ ልኡላውን ደሕንነትን ዝሓለወ ዲጂታል ስርዓታት ዝበዝሓሉ እዩ ኢሎም።
ካብዚ ሓሊፉ ውሽጣዊ ፈተራ ስራሕ ዝበረታታዕ ምዃኑ ብምሕባር፤ መንግስቲ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ ምዝርግሑ ተዛሪቦም።
ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ምትእስሳር ህዝቢ፣ ስርዓት ንግድን፣ ተበፃሕነት መንግስቲ፣ፀጥታን ድሕንነትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ከምዝቐየረ ተዛሪቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!