ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ንዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝኽእ ስትራቴጂ ተሓንፂፁ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፡፡
መኽፈቲ ስነ ስርዓት 2ይ ብሄራዊ ኮንፍረንስ ዲጂታል ክፍሊት ይሳለጥ ኣሎ።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ስራሕቲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ካልኦት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ሰፊሕ ስራሕ እናተሰርሐሉ ይርከብ።
ዓውዲ ዲጂታል ፋይናንስ ሰፊሕ መሰረት እናሓዘ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝተመዝገበ ውፅኢት ተዋዲድካ ስለዝተሰርሐ ዝመፅአ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ቀፃ እውን በርቲዕኻ ብምስራሕ ኣብ ፆታ፣ ኣብ ሞንጎ ገፀርን ከተማን ዘሎ ኣፋላላይ ተረባሕነት ምምሕያሽ ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኻላማይ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዛዚማ እቲ ካልኣይ ከምዝጀመረት ብምግላፅ፤ ነባር ልምዲታት ኣብ ቀፃሊ ምዕራፍ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ዘኽእል ኢዩ ክብሉ እውም ኣገንዚቦም፡፡
ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ዝትግበር ስትራቴጂ ሓሙሽተ ዓመት ንኢኮኖሚ ዘሳልጥን መካተቲ ጉልበት ከምዝኸውንን ኣብሪሆም፡፡
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!