ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዲጂታል ክህሎት ንምዕባይን ኣገዳሲ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅን ፅቡቕ ስጉምቲታት ኬድና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)፡፡
መበል 24 ጉባኤ ኮሜሳ “ዲጂታላይዜሽን ንልምዓት ዞባዊ ሰንሰለት ምጉልባት ብምጥቃም ንዘላቒን ንኹሉ ዝሓቁፍን ዕብየት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ እናተካየደ ይርከብ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ለውጢ ኦኮኖሚ ታሪኽ ኣፍሪካ ንምቕያር ፍሉይ ዕድል ከም ዘቕርብ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም፡፡
ከም ኣህጉር ፃዕርታት ሃገራት ንምውህሃድ ዞባዊ ውህደት ምትእስሳር ንምቅልታፍ ክእለትን መሰረትን ኣለና ኢሎም፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!