ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘፋልጥን ሰብ ሃፍቲ ንምስሓብን ዝሕግዝ ኤክስፖ ክካየድ ኢዩ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣቢዮት ባዩ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፥ “ፊውቸር ቴክ ኣዲስ 2025” ዝተሰመየ ኤክስፖ ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ማእኸል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ኣዲስ ክካየድ ኢዩ፡፡
እቲ ኤክስፖ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምፍላጥ ሰብ ሃፍቲ ንምስሓብ ከምዝሕግዝ ኣመልኪቶም፡፡
ኣብ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዝተረኸቡ ውፅኢታት ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ንምስግጋር ዘኽእል እታወት ንምእካብን ቀፃሊ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምፍላጥ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም፡፡
ዋና መካየዲ ስራሕ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ፓርክ ኢትዮጵያ ሄኖክ ኣሕመድ ብግደኦም፥ እቲ ኤክስፖ ብመሰረት ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ሓሳብን ትግሃትን ዘለዎም መናእሰይ ናብ ፍርያትን ተግባርን ንኽቕይሩ ዘኽእሉ ዕድላት ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ ኤክስፖ ኩባንያታት፣ ኤምባሲታት፣ ሰብ ሃፍቲን ስታርት ኣፓት ውሽጢ ሃገርን ዝሳተፉ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ በቢክልተ ዓመቱ ከምዝካየድ ተሓቢሩ።
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!