ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ዴዝሬ ዱዌ ሽልማት ጎልደን ቦይ 2025 ተዓዊቱ።
እቲ ወዲ 20 ዓመት ኣብ ውድድር ዓመት 2024/25 ምስ ፒኤስጂ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓን ናይቲ ሊግን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፅዋዓት ብምዕዋት ዕዉት ዓመት ምሕላፉ ይዝከር።
ዱዌ ኣብቲ ውድድር ዓመት ኣብ ፈረንሳይ ሊግ-1ን ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓን ብሓፈሻ 11 ሸቶታት እንተቑፅር፥ 11 ንሸቶ ዝኾና ኳዓሳሱ ኣጠዓዒሙ ኣቕሪቡ ኢዩ።
እቲ ሽልማት ኣብ ዓበይቲ ሊጋት ኣውሮፓ ዝፃወቱ ዕድሚኦም ትሕቲ 21 ዝኾኑ ተፃወትትቲ ጥራሕ ተሳታፊ ዝገብር ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!