ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ድሌትና ንኢትዮጵያ ማእኸል ማኑፋክቸሪንግ ምግባር ኢዩ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ “ልቢ ሉኣላዊነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ኢቢሲ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘዕቢ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም።
ካብ ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብተወሳኺ ንማእኸልነት ማኑፋክቸሪንግ ወሰንቲ ጉዳያት ከምዝተሰርሑ ብምግላፅ÷ ሎጂስቲክስ፣ ንፁህ መስተ ማይን ዝሕደስ ሓይሊን ከምኡ እውን ኣብ ዲሞግራፊ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።
ኣብ ሎጂስቲክስ ሕዚ እውን ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ንኣብነት ድማ ፕሮጀክት ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ፀሪሖም።
ዝህነፅ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየን ማእኸልነት ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ኢንቨስትመንት ቀሊል ኣይኹን እምበር ብብዙሕ መልክዑ ዕድል ስለዘለና ህንፀቱ ኣብ ኣየር ዘሎ ትራንስፖርት ኣብ ኣፍሪካ ጎሊሁ ንኽቕፅል ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ካብቲ መገዲ ኣየር ብተወሳኺ እቲ ፕሮጀክት ብዙሕ ነገር ከምዝስሕብ ኣብሪሆም።
ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ኮይሻ፣ ሶላር፣ ኑክሌር ዝተጀመረ ሓዊሱ ንፁህን ዝሕደስን ሓይሊ ምፍራይ ንውድድር ኣዚዩ ዘዋፅእ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ መዳይ ዲሞግራፊ ኢትዮጵያ መንእሰይ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ÷ ኣብ መናእሰይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ብዛዕባ ዝተሰርሐ ተማሂሮም ካብ ዝተሰናድኡ ንክእለት ምላሽ ክህቡ ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።
መብዛሕትኡ መንእሰይ ንቴክኖሎጂ ዝሰሓብ ብምዃኑ ኣብ 5 ሚሊየን ኮደርስ ብዝሰራሕናዮ ስራሕ መብዛሕትኡ ሰብ ምስ ኮዲንግን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ዝተተሓሓዘ ንኽፋለጥ ንገብር ኣለና ኢሎም።
በዚ ምኽንያት ቴክኖሎጂ ዝግንዘቡ ዝተምሃሩ መናእሰይ እናተፈጠሩ እንትኸዱ ማእኸል ማኑፋክቸሪንግ ንምዃን ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብኣቢይ ጌታሁን