ድሌትን ረብሓን ኢትዮጵያ ጠጠው ዘብል ሓይሊ የለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብብዙሕ ዝተሓላለኹ ፀገማት ንኽትሓልፍ ብናይ ውሽጢ ባንዳታት፣ ዝኾረዩን ጥቕሚ ዝደልዩን ብዙሓት ሽርሒታት እናተሰርሓ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ማሕበረብ ነኒባዕሉ ብሃይማኖትና ብብሄር ከጋጭዉ ዝኽእሉ ኣጀንዳታት ብመሃብ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብሓባር ጠጠው ከይብልን ኣብ ንፅል ዘይረብሕ ኣውያት ኣትዩ ዕንክሊል ንኽብል ብዙሓት ፈተነታት ተገይሮም ኢዮም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ርዳእታ ከይትረክብ ካብ ምግባር ጀሚሩ ፅዕንቶ ንምፍጣር ፈተነታት ከምዝተገበሩ ይዝከር፡፡

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተሃኒፁ ምስተዛዘመ እውን ዓለም ለኸ ተሰማዕነት ኢትዮጵያ ንምህሳስን ከም በዳሊት ንኽትረአ ኣብ ምግባርን ፅዕንቶታት እናተገበሩ ፀኒሖም ኢዮም፡፡

ኢትዮጵያ ንዘበናት እናመሓደረቶን እናተመሓደረትሉን ኣብ ዝፀንሐትሉ ታሪኽ ይኹን ሕጊ ብዝድግፎ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ንእተልዕሎ ሕቶ ዝቐርቡ ቅርታታት ዋጋ ዘይብሎም ኢዮም፡፡

ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብዙሕ ቁፅሪ ህዝቢ ሒዞም ወደብ ኣልቦ ካብ ሞንጎ ዝኾና ሃገራት ኢትዮጵያ እንትትከውን፤ ሎሚ ግን ፍትሓዊ ብዘይኮነ መገዲ ዝተሓደገቶ በሪ ባሕሪ ንምምላስ መገዳ ጀሚራ ኣላ፡፡

ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ነዚ ሓገዘን እናርአያ እንትኾና፤ ምርካብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕቶ ኢኮኖሚ ካብ ምምላስ ሓሊፉ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝእመን ኢዩ፡፡

ኢትዮጵያ ካብ ጉዕዞኣ ንምትዕንቓፍ ዝመፅኡዋ ሽርሒታት ብምምካት ናይ ምስዓርን ናብ ፅቡቕ ዕድልን ናይ ምልዋጥ ልምዲ ዘለዋ ሃገር ኢያ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መድረኽ መኽፈቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኢትዮጵያ እስርቲ ጂኦግራፊ ዝኾነትሉ ዋና ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ብዘሎ ስንፍና እምበር ድሌትን ረብሓን ኢትዮጵያ ጠጠው ዘብል ሓይሊ የለን ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ከይብሉ ማሕለኻታት ዝኾኑ ፀገማት ብልዝብን ብምድምማፅን ንምፍታሕ ከምኡ እውን ንረብሓ ሃገር ብሓባር ጠጠው ንምባል ወሳኒ ዝነኾ ምዕራፍ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡

ብቤተልሄም ግርማ

Comments (0)
Add Comment