ድልየት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢንዱስትሪታት ንምምላእ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ድልየት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ንምምላእ ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ትካል ኣይተ ሞገስ መኮነን፥ ዓቕሚ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ  ገፈርሳ ከብ ንምባል ዝተተኸለ ሓዱሽ ተንቀሳቓሲ ዓቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

ናብ ስራሕ ዝኣተወ በዓል 230/15 ኪሎ ቮልት ተንቀሳቓሲ መከፋፈሊ ሓይሊ ዓቕሚ እቲ ጣቢያ ናብ 200 ሜጋ ዋት ዘዕቢ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጣቢያ ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ዝነበረ ምቁርራፅ ሓይሊ ከምዘትርፍ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ እናዓበየ ዝመፅአ ተወሳኺ ባህጊ ሓይሊ ካብ ዓቕሚ እቲ ጣቢያ ንዓቐብ ንክኸወን ብምግባሩ ሓዱሽ ተንቀሳቓሲ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ምትካሉ ኣይተ ሞገስ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።

ብትእግስት ኣብርሃም

Comments (0)
Add Comment