ድሕረ ክፍሊት ዓማዊል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ሒሳቦም ክፈልጥሉ ዝኽእሉ ኣሰራርሓ ኣብ ብርኪ ፈተነ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ድሕረ ክፍሊት ተረባሕቲ ዓማዊል ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ሒሳቦም ክፈልጥሉ ዝኽእሉ ኣሰራርሓ ብርኪ ፈተነ ኣጀሚሩ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽን እቲ ትካል ኣንዋር ኣብራር ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዝተጀመረ ኣሰራርሓ ድሕረ ክፍሊት ዓማዊል ዘልዕልዎ ቅርታ ንምትራፍ የኽእል፡፡
ካብ ዓማዊል ዝልዓሉ ቅርታታት ንምትራፍ ዓማዊል ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ስልኮም ብምጥቃም ንባብ ቆፃሪኦም ዘእትውዎ ቴሌግራም ቻትቦት ፈተነ ትግበራ ምጅማሩ ተዛሪቦም፡፡
በዙይ እውን ካብ 13 ለካቲት ክሳብ 23 ለካቲት 2018 ዓ.ም ዓማዊል ንባባ ዩቲሊቲ ኣብ ገዝኦም ብ @eeuchatbot ንትካላት ክልእኹ ፃዕሪ ምቕራቡ ሓቢሮም፡፡
ብመሳፍንት እያዩ
Comments (0)
Add Comment