ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣብ ህንዲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምስላጥ ናብ ኒው ዴልሂ ኣምሪሖም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም መስ ቀደማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ነግዲን ምትሕብባር ኢኮኖሚን ክልቲአን ሃገራት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ከምዝገብሩ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣብ ክልቲኣዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ከምዝዛተዩ ተሓቢሩ።
ከልቲአን ኣባል ሃገራት ብሪክስ ጎኒ ንጎኒ ዘተ እቶም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሰነድ ስምምዕነት ንግዲ ከምዝኽትማ ወኪል ዜና ሩሲ ዝኾነ ታስ ፀብፂቡ።
ሩሲያ ኣብ 2030 ዓ.ም.ፈ ምስ ሀንዲ ዘለዋ ልውውጥ ንግዲ 100 ቢሊየን ዶላር ናይ ምብፃሕ ባህጊ ከምዘለዋ ተገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!